Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ 19 ዒራቕ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ልዕሊ 50 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዒራቕ ሕሙማት ቫይረስኮሮና ኣብ ዝሕከሙሉ ክፍሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ናሲርያ ኣብ ዝርከብ ኣል ሁሴን ኣብ ዝተባህለ ሆስፒታል’ዩ ኣጋጢሙ።

ጠንቂ እቲ ባርዕ ክሳብ ሐዚ ከምዘይተፈልጠን ቅድሚኡ ግን ኦክስጅን ዝሓዘ ገንኢ ተባሪዑ ከምዝነበረ ፀብፃባት ኣመልኪቶም።

ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ዒራቕ ሙስጦፋ ኣል-ካደሚ ሓላፊ እቲ ሆስፒታል ክእሰር ትእዛዝ ትእዛዝ ከምዝሃቡ ተሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ ስድራቤታት እቶም ተሓከምቲ ኣብ ደገ እቲ ሆስፒታል ተቓውሞታት ክስምዑ ተራእዮም።

እቶም ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ከምዝተጋጨዉን ክልተ መካይን ከምዝተቓፀላን ድማ ተገሊፁ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.