Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማድሪድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስፔን ማድሪድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም።

ኣብ 3 ሺሕ ሜትሮ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ 8 ደቒቕ 22 ሰከንድን 65 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተዓዋቲት ኮይና፡፡

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለምለም ሃይሉን ኬንያዊት ኣትሌት ቢትሪስ ቺቤት 2ይቲን 3ይቲን ብምዃን ውድድረን ዛዚመን፡፡

ኣትሌት ሃብታም ኣለሙ ድማ ብ800 ሜትሮ 1 ደቒቕ 58 ሰከንድን 94 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተዓዊታ፡፡

ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ዝተዓወተ እንትኸውን፥ ነቲ ውድድር 3 ደቒቕ 35 ሰከንድን 42 ማይክሮ ሰከንድን ዛዚሙ፡፡

ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሂሩት መርሻ 4 ደቒቕ 9 ሰከንድን 42 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ነቲ ርሕቐት ብዓወት ዛዚማቶ ኣላ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.