Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምንቅስቓስ “ሓደ ዳያስፖራ ንሓደ ቤተሰብ” ዝተፀምበሩ ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ቀረባ እዋን ቤተሰቦም ክርከቡ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምንቅስቓስ “ሓደ ዳያስፖራ ንሓደ ቤተሰብ” ዝተፀምበሩ ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ቀረባ እዋን ቤተሰቦም ከምዝርከቡ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ገሊፀን።

ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ፥ እቶም ኣባላት ዳያስፖራ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሒዙዎም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ዘዕነዎም መንበሪ ኣባይቲን መገልገሊ ንብረታትን ንምትካእ ብሓላፍነት ንምስራሕ ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም ኢለን።

ስለዝኾነ ድማ እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዘጣይሹዎም ስድረኦም ዝራኸቡሉን ስራሕ ዝጅምሩሉን መርሃ ግብሪ ከምዝካየድ ገሊፀን።

“እዚ ሰናይ ተሞክሮ ንዳያስፖራ ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን” ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ዓቕሚ ዘለዎም ወለንታውያን ናብቲ ምንቅስቓስ ንኽፅምበሩ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.