Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምዕራብ ኣውሮፓ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ውሑጅ ብውሕዱ 120 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምዕራብ ኣውሮፓ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ውሑጅ ብውሕዱ 120 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብኣማኢት ዝቑፀሩ ካልኦት ሰባት እውን ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠ ተሓቢሩ።

እቲ ዕልቕልቕ ብሰንኪ’ቲ ኣብቲ ዞባ ክዘንብ ዝቐነየ ዝናብ ዘስዓቦ ምዃኑ ተገሊፁ።

ሓያሎ  መትረባት ውሑጅ ኣውሮፓ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ መሊኦም ሰፋሕቲ ከባቢታት ከምዘዕለቕለቑ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ጀርመን ጥራይ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብቲ ዕልቕልቕ ሞይቶም ኣለዉ።

መራሒት እታ ሃገር ቻንስለር ኣንገላ መርከል፥ ጠንቂ ናይቲ ክስተት ክሊማዊ ለውጢ ብምዃኑ ንምግትኡ ተወፋይነት ከምዘድሊ ተዛሪበን።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.