Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምፍጣር ዕድል ስራሕ መናእሰይ ትኹረት ገይርካ ብምስራሕ ኣብ ኣፍሪካ ቅልጡፍ ለውጢን ዕቤትን ክረግጋፅ ይግባእ – ምክትል ቀ/ሚ ኣይተ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምፍጣር ዕድል ስራሕ መናእሰይ ትኹረት ገይርካ ብምስራሕ ኣብ ኣፍሪካ ቅልጡፍ ለውጢን ዕቤትን ክረግጋፅ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ ምዕባለ ኣፍሪካ፥ ብዋናነት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2025 ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ዘጎልብት ፕላትፎርም ምጥያሹ ኣብሪሆም።

ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ፕላትፎርም ምዕባለ ኣፍሪካ፥ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ሓለፍቲ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ኩባኒያታትን ተረኺቦም ናይ ሓባር ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ፥ ንቕልጡፍ ዕቤት እታ ኣህጉር ኣብ ፈጠራ ስራሕ ዕድል መናእሰይ ምርብራብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም መናእሰይ በቢዓመቱ ስራሕ ዕድል ንኽፍጠረሎም መንግስቲ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ፕላትፎርም ምዕባለ ኣፍሪካ ኣብ ዝተትሓዘሉ ወሰን ግዘ ንምፍፃም፥ ሃገራት ኣፍሪካ ዕዉት ልምዲን ውፅኢታዊ ተሞክሮታትን ዝለዋወጣሉ መድረኽ ክፈጥራ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ብብኪ ኣፍሪካ ዝሳለጥ ፎረም ኢኮኖሚክ ዓለም፥ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ገሊፆም።

እቲ ፎረም ልምዲ ንምልውዋጥ ፅቡቕ ዕድል ከምዝፈጥር ምዝራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.