Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞሮኮ ብኣማኢት ዝቑፀሩ እሱራት ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞሮኮ ልዕሊ 300 እሱራት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ።

ኣብ ሞሮኮ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ ክፍለጥ ዝኸኣለ፥ ኣብታ ሃገር ብዝተገበረ ኣልማሚት ምርመራ እሱራት ኢዩ።

እቲ ምርመራ ንኽጅመር ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሓደ እሱር ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦ ብምርግጋፁ ኢዩ።

ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ማእኸላይ ሞሮኮ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ህንፀት ጥራሕ 300 እሱራት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ተረኺቦም።

ኣብ ካሊእ ቤት ህንፀት ድማ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ዓሰርተ ውልቀሰባት ከምዝተለኸፉ ተረጋጊፁ።

እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም እሱራት ንበይኖም ክውሸቡ ከምዝተገበረ እውን አርቶም ሰበ ስልጣን ገሊፆም።

ኣብ ሞሮኮ ኣስታት 80 ሺሕ እሱራት ከምዝርከቡ ዝግለፅ እንትኸውን፥ ንጉስ እታ ሃገር ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ንምንካይ ብዝብል ልዕሊ 5 ሺሕን 654 እሱራት ብምሕረት ፈቲሖም ከምዝነበሩ ፀብፃብ ቢቢሲ የመላኽት።

ኣብ ሞሮኮ ክሳብ ሕዚ 4 ሺሕን 252 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ 165 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.