Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ፓኪስታንን ህንዲን ዘሎ ንሕንሕ ንመምርግጋእ ውድብ ሕቡራ መንግስታት ኢዱ ንኸእቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ፓኪስታንን ህንዲን ዘሎ ንሕንሕ ንመምርግጋእ ውድብ ሕቡራ መንግስታት ኢዱ ንኸእቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ኢምራን ካን ሓቲቶም።

ኢምራን ካን፥ ኩሉ ግዘ ሃገሮምን ህንዲን ናብ ወጥሪ ዝኣትዋላ ግዝኣት ካሽሚር ዕልባት ንመሃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ምድርዳር ግደ ንኽፃወት ኢዮም ሕቶ ዘቕረቡ።

ኣብ ህንዲ ምስ ኣወሃህባ ዜግነት ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ተቓውሞታትን ደልሂ እትህቦ ግብረ መልሲን ብዝምልከት ስግኣት ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ሞንጎ ሃገሮምን ህንዲን ክፍጠር ዝኽእል ስግኣት ኲናት ኣድሂቦም ምስ ፕዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምዝታዮም ተዛሪቦም።

ዶናልድ ትራም ክልቲአን ሃገራ ንምሽምጋል ፍቓደኛ ምዃኖም ኣብቲ እዋን ዘተ ምግላፆም እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ካን ኣብሪሆም።

ግዝኣት ካሽሚር፥ ፓኪስታንን ህንዲን ምስ ዘልዕለኦ ናይ በዓል ቤትነት ሕቶ ተተሓሒዙ መልዐሊ ጎንፂ ኮይና ፀኒሓ ኢያ።

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.