Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ረቂቕ መምርሒ ኣሰራርሓን ስነ-ምግባርን መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኣፀባፅባ መረፃ ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ ብሄራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ንመፈፀሚ መረፃ ኣብ ዘሰናድኦ ረቂቕ መምርሒ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዛትዩ።

እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተዘተየሎም ረቀቕቲ መምርሒታት፥ ረቂቕ መምርሒ ኣሰራርሓን ስነ-ምግባርን መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኣፀባፅባ መረፃ፤ ረቂቕ መምርሒ ፍቓድ ምሃብ ትምህርቲ ስነ-ዜጋን ስነ-ምግባርን መረፅቲ ኢዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ካብ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታትን ጋዜጠኛታትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

እቲ ዘተ፥ ዘርዝር ናይቶም ረቂቕ መምርሒታት ቀሪቦም ርኢቶ ንክወሃበሎምን ተወሰኽቲ ሓሳባት ንምእካብን ዝዓለመ ምዃኑ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ዘተ ብዝምልከት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬቲንግ ፃንሒት ዝገበራ ኣማኻሪት ኮሙዩኒኬሽን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሶሊያና ሽመልስ፥ እቲ ዘተ ሰፊሕ እታወት ከምዝተረኸበሉን ኣብ ቀፃሊ ዝሳለጡ ዘታት ብምምዕባል ምስ ካልኦት መምርሒታት ፀዲቑ ናብ ስራሕ ከኣቱ ከምዝግበርን ገሊፀን።

መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝምልከት ዝተሰናድአ ረቂቕ መምርሒ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ቅድሚ መረፃ፣ መረፃ ኣብ ዝካየደሉ እዋንን መረፃ ምስተኻየደን እንትፅብፅቡ ነቲ ከይዲ ዘይህውኽ፣ ሚዛናዊን ሓቀኛ ፍልፍል ሓበሬታ ማእኸል ዝገበረ ንኽፍንዉ ከምኡ እውነ ዘይሻራዊ ኮይኖም ብምስራሕ ግደኦም ንኽፃወቱ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.