Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ሸዋን ደቡብ ወሎን ወረዳታት ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ብዝተተሓሓዘ ኮማንድ ፖስት ከምዝተጣየሸ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ሰሜን ሸዋን ደቡብ ወሎን ወረዳታት ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ብዝተተሓሓዘ ኮማንድ ፖስት ከምዝተጣየሸ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ኣብ ውሱናት ከባቢታት እዛ ሃገር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምልታም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ጉድኣት ህይወትን ንብረትን ኣብ ዘብፅሑ ጉጅለታት ጥፍኣት ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ገሊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ትግራይ ውፅኢታዊ ተልእኾ ምኽባር ሕጊ ብጅግንነት ኣብ ዝፍፅመሉ ዘሎ እዋን እቲ ፀገም ፀፅታ ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።

እዚ ኮነ ተባሂሉ ተልእኾ ኢቲ ሰራዊት ንምትእጉጓል ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ሽርሒ ብህዝብን ምክልኻል ሰራዊትም ከምዝፈሸለ ገሊፁ።

ነዚ እውን ኣብ መንጎ ቅማንትን ተወለድቲ ኣምሓራን፣ ነበርቲ ክልል ኣምሓራን ኦሮሞን፣ ህዝብታት ሶማሌን ዒሳን ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ምስ ሕብረተሰብን ዓበይቲ ዓዲን ብምዃን ናብ ሰላም ንምምላስ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ካሊእ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣጣየን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዝተዓጠቑ ሓይሊታትን ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰብን ንብረትን ብዝበፅሐ ዕንወት እቲ ሚኒስቴር ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ ንዝተጎድኡ ወገናት ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ፀገም ፀፅታ ዝፈጠሩ ጉጅለታት ጠፈኣት ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ እውን ተዛሪቡ።

ኣብ ሰሜን ሸዋን ደቡብ ወሎን ወረዳታት ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ብዝተተሓሓዘ ካብ ትካላት ፀፅታ ክልል፣ ፌዴራልን ሰለስቲአን ዞባታትን ዝተውፃፅአ ኮማንድ ፖስት ከምዝተጣየሸ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.