Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ሰለማዊ ዕልባት ንምሃብ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ንምግባር ዘኽእል ሰነድ ምክረ ሓሳብ ሰላም ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ሰለማዊ ዕልባት ንምሃብ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ንምግባር ዘኽእል ሰነድ ምክረ ሓሳብ ሰላም ከምዝፀደቐ  መንግስቲ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ብሰለማዊ ኩነታት ንምፍታሕ ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ዓብዪ ኮሚቴ ኣማራፂ ሰላም ምጥያሹ ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ፥ ክሳብ ሐዚ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ብዝምልከት ዘተ ከምዘካየደ ገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ እቲ ጎንፂ ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ከመዝገበረ ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት እዚ በይናዊ ደው ምባል ተኺሲ ሓዊሱ፥ መልዓል ህፁፅ ግዜኣዋጅ፣ እሱራት ምፍታሕ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብበዝሒ ክኣቱ ምግባርን ካልኦት ስጉምቲታትን ምውሳዱ  መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ዘተ ሰላም ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ኣብ ዝኾነ ቦታን እዋንን ንምጅማር ድልው ከምዝኾነ ምግላፁ ኣዘኻኺሩ።

ስለዝኾነ ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ናብ ንቡር ናብረኦም ንምምላስ ስምምዕነት ደው ምባል ተኺሲ ኣብ ሓፂር እዋን ክብፃሕ ከምዝግባእ እቲ ኮሚቴ ኣፅንኦት ብምሃብ ምዝታዩ ተገሊፁ።

እዚ ከይዲ ንምቅልጣፍ ሰነድ “ምክረ ሓሳብ” ፖለቲካዊ ዘተን ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲን ንላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ ንክቐርብ ምውሳኑ ሓቢሩ።

ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሰነድ ንማሕበረሰብ ዓለም ሎሚ መዓልቲ መብርሂ ከምዝተውሃበ ተሓቢሩ።

እቲ ኣማራፂ ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ሀዝቢ ኢትዮጵያ ዘርኣዮ ደገፍ ብምንኣድ፥ እቲ ደገፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብ ጎኒ ሕብረት ኣፍሪካ ብምስላፍ ፃዕሪ ሰላም ዕዊት ንክኸውን ገድኡ ክዋፃእ እቲ ኮሚቴ ፀዊዑ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.