Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሱዳን ሓደ ግድብ ብምፍራሱ 600 ኣባይቲ ዓኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ግዝኣት ብሉናይል ብምኽኒያት ዘጋጠመ ምፍራስ ሓደ ግድብ 600 ኣባይቲ ምዕናዎም ተገሊፁ።

መራኸብቲ ሓፋሽ ሱዳን ፍልፍል ብምጥቃም ሲ ጂ ቲ ኤን ከምዝፀብፀቦ፥ “ቦት” ዝብል መፀውዒ ዘለዎ እቲ ግድብ 6 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ኢዩ።

ሃንደበት እቲ ግድብ ምስተግሃሰ ብሰለስተ ኣንፈት ውሑጅ ዝወሓጀ እንትኸውን፥ ኣብ ከባቢ እቲ ግድብ እትርከብ ከተማ ቦት በቲ ውሑጅ ከምዘዕለቕለቐት ተገሊፁ።

ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ከምዝሓበርዎ፥ ምግሃስ እቲ ግድብ ብዙሓት ሰባት ካብ መረበቶም ንክፈናቐሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንክዛባዕን ዘኽእል ኢዩ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ብዝህሉ ልዑል መጠን ዝናብ ምዕልቕላቕ ውሑጅ ልሙድ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.