Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሲድኒ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣውስትራሊያ ሲድኒ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብፀብለልታ ተዓዊተን።

ኣትሌት ትዕግስት ግርማ 2 ሰዓት 25 ደቒቕን 10 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ቀዳመይቲ ወፂ፡፡

ካሊእ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተብርሃን ሃይላይ÷ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 25 ደቒቕን 45 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ካልአይቲ እንትትከውን÷ ኤርትራዊት ናዝሬት ወልዱ ድማ ሳልሰይቲ ወፂኣ።

ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያውን ኣትሌታት ካብ 4ይ ክሳብ 6ይ ዘሎ ደረጃ ብመሓዝ እውን ፀብለልታ ኣርኢየን፡፡

ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ÷ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ጫሉ ዲሶ ሳልሳይ ብምውፃእ ውድድሩ ከምዝዛዘመ ካብ ኦሎምፒክ ሲድኒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.