Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስራሕቲ ስፈን ሸኽላን ተዋፊረን መዕበይ ዓቕሚ ስልጠና ዝረኸባ ደቂ ኣነስትዮ ተመሪቐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ስራሕቲ ስፈን ሸኽላን ተዋፊረን ንተኸታተልቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን መዓልትታት መዕበዪ ዓቕሚ ስልጠና ዝረኸባ ደቂ ኣነስትዮ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቐን።

እቲ ስልጠና ብቢሮ ባህልን ቱሪዝም ክልል ትግራይ ዝተወሃበ እዩ።

ፍቕርን ረብሓን እቲ ሞያ ዝተረደአ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ሓዊሱ፥ ካብ ዓሰርተ ወረዳታት ትግራይ ዝተውፃእፀኣ 96 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሰልጠና ተሓቢሩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸባ ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወይዘሮ ብርኽቲ ገብረመድህን፥ እቲ ስልጠና ፀጋታት ኢደ ጥበብ ንቱሪዝምን ቁጠባ ማሕበረሰብ ትግራይን ብዝጥዕም መልክዕ ተሓሳቢ ተገይሩ ዝተወሃበ ምንባሩ ገሊፀን።

ስልጠና ዝወሰዳ ደቂ ኣንስትዮ ተወዲበን ናብ ተግባር ንኸሽርፈኦ፥ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ መስርሒን መሸጥን ቦታን ካልኦት ሓገዛትን እጃሞም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ኣብቲ ስልጠና ዝተሳተፋ ደቂ ኣነስትዮ ብግደአን፥እቲ ስልጠና ሓደሽቲን ቀለልት ኣሰራሓታትን ፅቡቕ ፍልፍል ኣታዊ ክረኽባሎም ዝኽእላ ልምድታትን ከምዝሓዛ ሓቢረን።

እዚ ባህለን እናዓቀባ መነባብሮአን ዝመርሓሉ ሞያ፥ ነናብ ከባቢአን ከይደን እቲ ስልጠና ዘይረኸባ ደቂኣነስትዮ ልምደን ከምዘካፍላ ውን ገሊፀን።

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.