Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሶማልያ ሓሙሽተ ዓይነ-ስውራን ኣብ ሓደ ዳስ ተመርዕዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገረ ሶማልያ ከተማ መቋድሾ ሓሙሽተ ዓይነ ስዉራን መርዑት ኣብ ሓደ ዳስ ተመርዕዮም።

እቶም ኣርባዕተ ዓይነ-ስውራት መርዓውትን እታ ሓንቲ ዓይነ-ስውርቲ መርዓትን ከኣ ንመመርዓዊኦም ዝኸውን ገንዘብ ንከዋጽኡ ኣዝዮም ተጸጊሞም ነይሮም።

ብባህሊ ሕብረተሰብ ሰማልያ ንመርዓ ዝኸውን ገንዘብን ንዋትን ብስድራ-ቤት እዩ ዝዋፃእ።

ስለዝኾነ ነቲ ጉዳይ ዝተረድኡ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ንወፃኢታት እቲ መርዓ ከምዝሸፈንዎ ተገሊፁ።

ሓንቲ ካብተን መርዑት ሰሚራ ንቢቢሲ ከምዝበለቶ፥ ሰብኣይ ንኽትረክብ ተፀጊማ ነይራ።

ሰብኣይ ምስ ተረኽበ’ውን ንመርዓ ዝኸውን ገንዘብ ክትረክብ ብዙሕ ፃዕሪ ከምዝገበረት ገሊፃ።

ብሳላ እቶም ኩባንያታት ግን እቲ ዝደለየቶ ከምዝሰመረላ ትገልፅ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.