Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኔዘርላንድስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰ ዘውዲ ንጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ስላሴ ጨለቖት ፅባሕ ክርከብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኔዘርላንድስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰ ዘውዲ ንጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ስላሴ ጨለቖት ፅባሕ ከምዝርከብ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ።

“ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ብምስራቕ ናብ ወፃኢ ዓዲ ዝወፅኡ ቅርስታት ምምላስን ንበዓል ዋና ምርካብን ሓደ ተልእኾና ኢዩ” ዝበለ እቲ ሚኒስቴር፥ መንግስቲ ኔዘርላንድስ እቲ ናይ መበል 18 ክፍለ ዘበን ታሪካዊ ዘውዲ 12 ለካቲት 2012 ዓ.ም ንኢትዮጵያ ከምዘረከባ ኣዘኻኺሩ።

ስለዝኾነ ፅባሕ 21 ለካቲት 2012 ዓ.ም ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ ንጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ስላሴ ጨለቖት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ርኽከብ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላተን ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ዘውዲ ካብ 1985 ዓ.ም ጀሚሩ ዝጠፍአ እንትኸውን፥ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ኣብ ኔዘርላንድስ ከተማ ሮተርዳም ክርከብ ክኢሉ ኢዩ።

እቲ ዘውዲ ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈንት ደቡብ ምብራቕ ኣስታት 16 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ስላሴ ጨለቖት ከምዝተሰረቐ ይዝረበሉ።

መንግስቲ ኔዘርላንድስ እቲ ሓድጊ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ጠቓሚ ምዃኑ ብምእማን፥ እቲ ዘውዲ ንምምላስ ኩነታት እናማዓራረየ ምፅንሑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ስነስርዓት ርኽክብ፥ እቲ ዘውዲ ናብ ኢትዮጵያ ንኽምለስ ንዝገበሩ ንኣይተ ሲራክ ኣስፋውን መንግስቲ ኔዘርላንድስን ምስጋና ኣቕሪቦም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.