Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀዳማይ ዙር ስራሕቲ መስኖ ልዕሊ 20 ሽሕ ሄክታር መሬት ትግራይ ብዝተፈለለዩ ኣሕምልትን ፍራምረን ይለምዕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቀዳማይ ዙር ስራሕቲ መስኖ ልዕሊ 20 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝተፈለለዩ ዝራእቲ፣ ኣሕምልትን ፍራምረን ከም ዝተሸፈነ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብ 2010 ዓ.ም ብጅፒኤስ ዝተፀንዐ መፅናዕቲ ከም ዘመላኽቶ፥ ኣብ ትግራይ ብመስኖ ክለምዕ እዩ ዝተብሃለ ኣስታት 68 ሺሐን 631 ሄክታር መሬት ኢዩ።

ካብዙይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 53 ሺሕን 76 ሄክታር መሬት ክለምዕ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ 2012 ድማ ናይ ኣዝመራ ዝራእቲ ብቅልጡፍ ክልዓል ብምግባር፥ ኣብ ቀዳማይ ዙር ስራሕቲ መስኖ ልዕሊ 68 ሽሕ ሄክታር መሬት ንምልማዕ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።

ዛጊድ 20 ሺሕን 234 ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ፣ ፍራምረን ኣሕምልትን ተሸፊኑ ከም ዝርከብ ድማ ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክቶር ልምዓት መስኖ ኣይተ በሪሁን ኣረጋዊ ገሊፆም።

ኣብታ ዝርካባ መሬት ሙሉእ ፓኬጅ እታዎታት ብምጥቃም ተዓፃፃፊ እቶት ምርካብ ዝጀመሩ ሓረስቶት እናተበራኸቱ እዮም ዝበሉ ኣይተ በሪሁን፥ ዛጊድ 10 ሺሕን 380 ኩንታል መዳበርያን 4 ሺሕን 271 ኩንታል ሙሩፅ ዘርእን ኣብ ጥቕሚ ዉዒሉ ኢሎም።

ኩሉ ዓይነት እታዎታት ብዝግባእ ዝጥቀሙ መልማዕቲ መስኖ ሓረስቶት ካብ ሄክታር ልዕሊ 400 ኩንታል ሽጉርቲ፣ ልዕሊ 600 ኩንታል ኮሚደረ እቶት ዝረኽቡ ከም ዘለዉ ገሊፆም።

ብሕልፊ እቶም ሞዴል ሓረስቶት ኮሚደረ ካብ 800 ክሳብ 1 ሺሕን 200 ኩንታል እቶት ካብ ሄክታር ይረኽቡ ከም ዘለዉ ተዛሪቦም።

ሓረስታይ ትግራይ ካብ ናይ ዝናብ ማይ ተፀባይነት ብምንጋፍ ድርቂ ዝፃወር ሕርሻዊ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዓሊሙ ምስ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ብሓባር ይስራሕ ከም ዘሎ እውን እቶም ዳይሬክቶር ተዛሪቦም።

መንግስቲ ዓቕሙ እናዕበየ እንትኸይድ ከምኒ ሩባ ተከዘ ንረብሓ መስኖ ዝዉዕለሉ ኣንፈት ብምሕንፃፅን ካልኦት ሓፅብታትን ግድባትን ብምህናፅ ብኢኮኖሚ ዝደልደለት ትግራይ ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ እጃም ንምብርካት ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.