Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀፃሊ ከም መሪሕ ፓርቲ ናፃነት ብኣግባቡ ኣብ ምጥቃምን ምምሕዳርን ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ቀፃሊ ዋና ስራሕና ከም መሪሕ ፓርቲ ናፃነት ብኣግባቡ ኣብ ምጥቃምን ምምሕዳርን ምስራሕ ኢዩ” ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

“ዓወታት ምፅናዕን ፈተናታት ምስጋርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሰለስተ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝቐነየ መድረኽ ዘተ ኣንፈታት ብምቕማጥ ተዛዚሙ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ እዋናዊን ታሪኻዊን ልኡኽቶ ኣመራርሓ፣ ሃገራዊ ሰላም፣ ፀፅታን ልምዓትን ትኹረት ብምግባር ልዝብ ተገይሩ፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ካብ ተሳተፍቲ ኣመራርሓታት ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ምላሽን መብርሂን ሂቦም፡፡

ፓርቲ ብልፅግና፥ ኣብ ምኽባር ናብራ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ከምኡ እውን ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ዝምልከቱ ጉዳያት ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ኣቐዲሙ ዝጀመሮም መምርሒ መሰረት ዝገበሩ ትካላዊ ኣሰራርሓታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ብምግባር ህዝባዊ ተቐባልነቱ ምድንፋዕን ጥንኩር መንግስታዊ ዓቕሚ ምፍጣርን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ፓርቲ ብልፅግና መዋቅራዊ ዓቕሙ ብምፍታሽ ዝረኣዩ ጉድለታት ዓቕሚ ኣመራርሓ ብምእራም፣ ውሽጣዊ ብልሽጻጽ ብምሕካምን መምርሑ መሰረት ብዝገበረ ኣግባብ ተግባራት ምስላጥ ዝጀመሮ ሃገራዊ ለውጢን ዕቤት ክቕፅል ብምግባርን ህዝባዊ ተቐባልነት ምድንፋዕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ከም ሃገር ዝመፅአ ናፅነት ኣብ ምጥቃም ሰፊሕ ክፍተት ከምዘሎን ናፅነት ክኽበር ኣብ ምግባር ፓርቲ ብልፅግና ዝደራደረሉ ጉዳይ ከምዘይኮነ ኣተሓሰሳሲቦም፡፡

ከም መሪሕ ፓርቲ ናፅነት ብግቡእ ኣብ ምጥቃምን ምምሕዳርን ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ከም ሃገር ትካላት ዴሞክራሲ፣ ፍትሒን ዳይነትን ብናፅነትን ዘይሻራውነትን ስረሖም ኣጠናኺሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ ንተሳተፍቲ ኣመራርሓታት ምሕባሮም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.