Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝኽበር መበል 34 ዓለም ለኸ መዓልቲ  ቱሪዝም ክልል ሲዳማ ከምተሰናድእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ክልል ሶማሌ እናተኸበረ ዝቐነየ መበል 33 ዓለም ለኸ በዓል መዓልቲ  ቱሪዝም ተዛዚሙ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም “ቱሪዝም ንልምዓት ገፀር” ብዝብል መሪሕ ቓል ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ዝተኸበረ እንትኸውን፥ ኣብቲ በዓል ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ሚኒስተራትን ተረኺቦም።

ቀፃሊ ዓመት 2014 ዓ.ም ዝኽበር መበል 34 ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም፤ ክልል ሲዳማ ንኽተሰናድእ ኣብ መጠቓለሊ እቲ በዓል ከምዝተወሰነ እውን ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ኣብ ዝተኸበረ ዓለም ለኸ በዓል መዓልቲ ቱሪዝም፥ ምርኢት ባህላዊ ኣከዳድና ብሄር ብሄረሰባትን ስራሕቲ ኪነ-ጥበብን ቀሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.