Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓታት ክልል ኦሮሚያ ኩሉ ግዘ ሰኑይ፣ ረቡዕን ዓርቢን ኣብ ቢሮኦም ብምርካብ ሕቶ ህዝቢ ንኽኽፈትሑ ውሳነ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓታት ኩሉ ግዘ ሰኑይ፣ ረቡዕን ዓርቢን ኣብ ቢሮኦም ብምርካብ ሕቶ ህዝቢ ከዳምፁን ትፅቢት ዝግበረሎም ኣገልግሎት ብግቡእ ንኽህቡን ውሳነ ምሕላፉ ተገሊፁ።

እቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ “ህዝቢ ኣገልግሎት ዝረክብ ለሚኑ ዘይኮነስ ንሕና ኣመራርሓታት ኣገልገልቲ እቲ ህዝቢ ኮይንና ስለዝተወከለልናን ሕቶ ኣገልግሎት ናይ ምምላስ ሓላፍነት ስለዘለናን ኢዩ” ኢሉ፡፡

ስለዝኾ ድማ ዝኾነ ይኹን ኣመራርሓ ብዝቐርበሉ ሕቶ መሰረት ብምግባር ኣገልግሎት ንመሃብ ክሰርሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

እቲ መግለፂ፥ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብህዝቢ ተወኪሉ ዘሎ ንህዝቢ ቀል ብዝኣተዎ መሰረት ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ስለዝኾነን ዝተወከለሉ ስልጣን ሓላፍነት ወሲዱን ከምዝሰርሕን ምሕባሩ ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.