Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ብልቓሕን ብሓገዝን ልዕሊ ብር 106 ቢሊየን ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ብልቓሕን ብሓገዝን ብር 106 ነጥቢ875 ቢሊየን ከምዝረኸበት ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

ካብ ሞንጎ እዚ እቲ ብር 37 ነጥቢ 38 ቢሊየን ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ፋይናንስን ለገስቲ ሃገራትን ብልቓሕ ዝተረኸበ ኢዩ።

እቲ 69 ነጥቢ ብር 495 ቢሊየን ድማ ሓዱሽ ልቓሕን ሓገዝን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዚ ድማ ኣብ በጀት ዓመት ንምርካብ ካብ ዝተሓሰበ 81 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ኣፈፃፅማ ከምዘዐወተ እቲ ሚኒሰስቴር ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብቲ በጀት ዓመት ንመፈፀሚ ፕሮጀክታትን ፕሮግራማትን ዝውዕል ካብ ፍልፍላት ገንዘብ ወፃኢ ብር 142 ነጥቢ 297 ቢሊየን ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

እቲ ፍሰት ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ዓመት እንትነፃፀር ብር 27 ነጥቢ 296 ቢሊየን ሓለፋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክታት ዝተርኣየ ምምሕያሽ ስዒቡ እምነት ለገስቲ ሃገራት ምጥንኻሩ ንዕቤት እቲ ኣፈፃፅማ ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ብዳዊት በሪሁን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.