Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቤሩት ንዘጋጠመ ምፍንጃር ምኽኒያት ዝኾነ ኬሚካል ብዕሽሽትነት ዘቐመጡ ሰብ መዚ “ቁም” እሱራር  ኮይኖም ንክፀንሑ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዙሓት ሰብ መዚ ወደብ ቤይሩት ብምኽንያት እቲ ብሰሉስ ኣብቲ ወደብ ዘጋጠመ ምፍንጃር ከሚካላዊ ባእታ መርመራ ንክካየደሎም ኣብ ትሕቲ ቤት ማእሰርቲ ገዛ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ሰብ መዚ ሊባኖስ ገሊፆም።

ብሰንኪ ኣብቲ ወደብ ዘጋጠመ ምፍንጃር ኣሙንዮም ኒትረይት ዝተባህለ ባእታ ብውሕዱ 135 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፥ ልዕሊ 4 ሺሕ ሰባት ድማ ከቢድን ፎኵስን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ንክልተ ሰሙን ዝቅፅል ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ከምዝተኣወጀ አውን ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ሊባኖስ ሚካኤል ኦን 2 ሺሕን 750 ቶን ዝኽብደቱ ኣሙኒዮም ኒትረይት ኣብቲ ወደብ ድሕነቱ ብዘይሓለወ ኣገባብ ተኸዚኑ ምንባሩ ገሊፆም።

ሓላፊ ጉምሩክ ባዲር ዳህር ብግደኦም፥ እቲ ኬሚካል ካብቲ ዘለዎ ቦታ ንክልዓል ደጋጊምና’ኳ እንተሓበርና ክልዓል ግን ኣይኽኣለን ኢሎም።

መበገሲ ምኽንያት እንታይ እዩ ንዝብል ድማ ንዝምልክቶም ክኢላታት ገዲፍናሎም ኣለና ክብሉ ኣብሪሆም።

ኣሙኒዩም ኒትረይት ንመስርሒ ዱኽዕን ተፈንጃሪ ነገራትን’ዩ ዘገልግል።

ፕሬዚዳንት ሚካኤል ኦን ኣብቲ ትማሊ ዘካየድዎ ህፁፅ ኣኼባ ካቢነ፥ “እቲ ኣብ በይሩት ዘጋጠመ ዕንወት ብቃላት ዝግለፅ ኣይኮነን፤ ነታ ከተማ ኣዝዩ ሃስዩዋ’ዩ” ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሺፈልድ ብሪታንያ ዝርከቡ ክኢላታት፥ እቲ ኣብ ቤይሩት ዘጋጠመ ምፍንጃር ኣሙኒዩም ኒትረይት ሓይሉ እንትረአ ሓደ ዕስሪት ናይቲ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ሁሪሽማ ዝወደቐ ኣቶሚክ ቦንብ ምዃኑ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ዓለምና ካብ ኣቶምካዊ ቦምባ ወፃኢ ካብ ዝርኣየቶ እቲ ዝሓየለ ምፍንጃር ኬሚካላዊ ባእታ እዩ ኢሎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.