Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቤት ህንፀት ኮሎምቢያ ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ብዝተልዓለ ዓመፅ ልዕሊ 23 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ህንፀት ኮሎምቢያ ምስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ብዝተልዓለ ዓመፅ ልዕሊ 23 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እቲ ዓመፅ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቦጎታ ዝርከብ ዓቢዩ ቤት ህንፀት ዝተልዓለ እንትኸውን፥ ካብቶም ዝሞቱ ብተወሳኺ 83 እሱራት ከምዝቖሰሉ ሚኒስቴር ፍትሒ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ህንፀት ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ምጭንናቕን ትሑት ስርዓት ሓለዋ ጥዕና ኣሎ ብዝብል ዝተልዓለ ዓመፅ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

ሚኒስትር ፍትሒ እታ ሃገር ማርጋሪታ ሳቤሎ፥ ኣብ መላእ ኮሎምቢያ ዝርከቡ ኣቢያተ ህንፀት ዓመፅ ብምቕስቃስ ራብሻ ንምፍጣር ዓሊሙ ዝተገበረ ፈተነ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ኮሎምቢያ ክሳብ ሕዚ 231 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ክልተ ሰባት ድማ ንሕልፈት ተቓሊዖም ኢዮም።

ይኹን እምበር ኣብ ኣቢያተ ህንፀት እታ ሃገር ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ሰብ የለን ተባሂሉ።

ፍክፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.