Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዘይምርግጋዕ ንምፍጣር ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 121 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ጉባ ጉንፂ ብሄርን ዘይምርግጋዕን ንምፍጣር ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ናይ ዝነበረ ጉጅለ ኣካል ኢዮም ዝተብሃሉ 121 ተጠርጠርቲን ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናትን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል መሓመድ ሃምደኒል ከምዝበልዎ፥ እቲ ጉጅለ ሓይሊ ጥፍኣት ብኣፅዋር ብምሕጋዝ 20 ሓምለ 2012 ዓ.ም ምሸት ኣስታት ሰዓት 2፡30 ኣብ ወረዳ ጉባ ጣቢያ ጃዲያ ህይወት 13 ሰባት ኣጥፊኡ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ ጎንፂ ብሄር ንምፍጣር፣ እቲ ከባቢ ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ብምዃኑ ዘይምርግጋዕ ንክፍጠርን ከም ክልል ይኹን ሃገር ልዑል ጥፍኣት ንክፍጠርን ዕላማ ዘለዎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

“ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ፓርቲ ይኹን እቲ ለውጢ ኣይውክለናን” ብምባል መናእሰይን ህዝብን ንዓመፅ ዘለዓዕል ጉጅለ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር፥ ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ተነሓናሕቲ ውድባት ምውዳድ ጥፍኣትን ግቡእ ድጋፍን ከምዝረክብ ኣፍሊጦም።

መናእሰይ ብምምልማል፣ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ስራሕቲ ፀፅታ መንግስቲን ዝተቐነሱ ውልቀ ሰባት ብምሓዝ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ኣቡልታ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ጉምዝኛን ዓረብኛን ስልጠና ጥፍኣት ይህብ ከምዝነበረ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ከምዝተረጋገፀን እኹላት መረዳእታታት ከምዝተረኸቡን እውን ኣረዲኦም።

ብፍላይ ኣብ ለውጢ ኣብ ዘላ ሃገር ብዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝኾረየ ህወሓት ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሰብ ሃፍቲ ብምጥቃም እቲ ጉጅለ ንዝሓዞ ልኡኽ ጥፍኣት ንምዕዋት ዝተፈላለዩ ደገፋት ይገብር ከምዝነበረ ኣመላኺቶም።

ስለዝኾነ ሓይሊ ፀፅታ እቲ ክልል ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ብምዃን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብዝገበሮ ወፍሪን ልውውጥ ተኹስን ዝተትሓዙ 61 ውልቀ ሰባት ሓዊሱ ደገፋት ሎጅስቲክስ፣ ምግብን ካልኦት ደገፋትን እናገበሩ ዝነበሩን ኣብ ሓላፍነት መንግስቲ ዝነበሩን ይኹን እንበር ሓላፍነቶም ዘይተዋፅኡን ብድምሩ 121 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ስራሕቲ ምፅራይ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ይጥቀመሎም ዝነበረ 1 ኣር ቢ ጂ ምስ 3 መቀፃፀልን 1 ቅምቡላን፣ 6 ክላሽ፣ 17 ድሑራት መሳርሒ ኲናት፣ 293 ብሬንን 30 ክላሽ ብድምር 223 ፍረታት ጥይት ከምዝተትሓዙ ኣረዲኦም።

ንተልእኾ መፈፀምቲ ዝጥቀመለን ዝነበራ 6 ሞተር ሳይክላትን ሕሩጭ ምግብን እውን ከምዝተትሓዘ ኣረዲኦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.