Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብራዚል ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 4 ሺሕ ሰባት ሞይቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብራዚል ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ 4 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ስለዝኾነ እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣብታ ሃገር ዝልዓለ ቁፅሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ኣስፋሕፊሑ ስለዘሎ ተባሂሉ እዩ ዝግመት።

ኣብታ ሃገር ብምልኦም ሆስፒታላት ብተሓከምቲ ሕሙማት ቫይረስኮሮና መሊኦም ኣብ ገለ ከተማታት ሰባት ንኽሕከሙ ሪጋ እናተፀበዩ ይሞቱ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ኣብ ብራዚል ብሰንኪ እቲ ለበዳ ቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ኣስታት 337 ሸሕ በፂሑ ኣሎ።

እዚ ኸኣ ብብርኪ ዓለም ድሕሪ ኣመሪካ ኣብ ካልኣይ ሪጋ ይስራዕ።

እዚ ኹሉ እናኾነ’ውን ፕሬዚደንት እታ ሃገር ጀይር ቦልሶናሮ ቀንዲ ተቓዋማይ ዕፅዋ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ምኽኒያቶም ድማ፥ “ብዕፅዋ ዝስዕብ ቁጠባዊ ቅልውላው ልዕሊ ቫይረስኮሮና ክቐትለና’ዩ” ከምዝኾነ ተሓቢሩ ከበል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.