Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብራዚል ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ ልዕሊ 60 ሺሕ ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ19 ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ብራዚል ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ ልዕሊ 60 ሺሕ ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ19 ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እዚ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ እንትነፃፀር ብዕፅፊ ወሲኹ ተባሂሉ፡፡

ፕሬዚዳንት ብራዚል ጆይር ቦልሶናሮ፥ እቲ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ብምኽንያት ዘርአዩዎ ዕሽሽታ ስልጣኖም ክለቁ ድፍኢታት እናሓየሉዎም ይርከቡ፡፡

ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር እውን ስልጣኖም ብፍቓዶም ምልቃቖም ተሓቢሩ፡፡

ይኹን እምበር እቶም ፕሬዚዳንት ብመራሕቲ ክልል ዳግም ዝተነበሩ እገዳታት ኣነኣኢሶም፡፡

እቲ ለበዳን ስእነት ስራሕን ግዘ ዘይህቡ ጉዳያት ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ እዚ ድማ ገዛና ዓፂና ንፈትሖ ፀገም ኣይኮነን ኢሎም፡፡

ኣብ ብራዚል ትማሊ ጥራሕ 90 ሺሕ ሰባት በቲ ለበዳ ቫየይረስ እንትተሓዙ፥ 3 ሺሕን ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ኣቢሎም ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.