Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቱርኪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቱርኪ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ቁፅሪ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት እናወሰኸ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እናተገበረ ብዝርከብ ፃዕሪ ህይወት ኣድሕን÷ ግዝኣታት ቱርኪ ፈላማይ ግምታዊ ቁፅሪ ተጎዳእቲ ዕላዊ ገይረን፡፡

ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ማእኸላይ ቱርኪ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 70 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእልን ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ፍራሳት ኣባይቲ ተቐቢሮም ክኾኑ ይኽሉ ኢዮም ዝብል ስግኣት ከምዘሎን ኣርቲ ፀብፂቡ።

ማእኸል ምላሽ ሓደጋ ቱርኪ÷ ኣብ ከባቢታት ሳኮም ካህራማንማራስ፣ ጋዚያንቴፕ፣ ሳንሊዩርፋ፣ ዲያርባኪር፣ ኣዳና፣ ኣድያማን፣ ማላቲያ፣ ኦስማኒዬ፣ ሃታይን ኪሊስን ብውሕዱ 76 ሰባት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑን ካልኦት 440 ከምዝቖሰሉን ኣረጋጊፁ።

ኣብተን ግዝኣታት÷ ልዕሊ 190 ህንፃታት ከምዝዓነዉ ኣመሓደርቲ እተን ከባቢታት ገሊፆም።

ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ንምድሓን ፃዕሪ እናገበሩ ይርከቡ።

እቲ ሓደጋ ስዒቡ ህፁፅ ኣዋጅ እዋን ዝኣወጀ እንትኸውን÷ ፕሬዚዳንት ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶኻን ኩሎም ኣገልግሎታት መድሕን ህይወትን ውሃብቲ ምላሽ ቀዳማይ ረድኤት እዋን ሓደጋ ብምትእኽኻብ ዝተጎድኡ ግዝኣታት ንምሕጋዝ ዝግበሩ ፃዕሪታት እናተሓባብሩ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ንቱርኪ ዘጥቀዐ ከቢድ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት፤ ሰሜንን ምዕራብን ሶሪያ እውን ዘጥቀዐ እንትኸውን÷ ከባቢታ ምብራቕ ሚዲትራኒያን ከምዘናገዐ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.