Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ጎንደር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ጎንደርን ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ጎንደርን ኣብ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ፕዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዶክተር ኣስራት ኣፀደወይን ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ፥ ርክብ ህዝቢታት፣ ሓድነትን ሕውነትን ክልቲአን ሃገራት ኣልዒሎም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣይተ ኣደባባይ ሙሉጌታ ብግደኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ሰላማዊ ርክብ ከምዘለወን ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሓል ሓሊፉ ኣብ ዶብ ከባቢ ዝለዓሉ ጎንፂታት በሰላ ኣቐሚጡ ሓሊፉ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዘተ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝቢታት ቅርሕንቲን በሰላን የለን ኣይህሉን እውን ኢሎም።

ዝለዓሉ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ብምሁራት ክሕገዝ ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ እቲ ዝተጀመረ ዘተ ናይ መወዳእታ ከምዘይኮነን ኣብ ቀፃሊ መሰል ምይይጣት ከምዝቕፅሉን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.