Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ታሽዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ንሰበታ ከተማ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ታሽዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ቀፂሉ ውዒሉ።

ኣብ መይዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ንጋንታ ሰበታ ከተማ ዘተኣናገደት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ክልተ ንሓደ ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ መሪሕነታ ክተጠናኽር ክኢላ።

መቐለ 70 እንደርታ ዝተዓወተትለን ክልተ ሽቶታት፥ ኦኪኪ ኣፎላቢ ኣብ መበል 13ን 46ን ደቕቓ ዘመዝገበን እንትኸውን፥ ብሕታዊት ሸቶ ሰበታ ከተማ ድማ እንዳለ ዘውገ ኣብ መበል 79 ደቒቓ ኣቑፂሩዋ።

ናብ ባህርዳር ተጓዒዛ ምስ ባህድራር ብርቱዕ ንሕንሕ ዝገበረታ ጋንታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ድማ 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ተሳዒራ።

ብተመሳሳሊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝነበሩ ፀወታታት፥ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ግጥም ኢትዮጵያ ቡናን ሲዳማ ቡናን፤ ኢትዮጵያ ቡና 2 ን 1 ዓወት ኣመዝጊባ ኣላ።

ጋንታታት ሃዲያ ሆሳእናን ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝገበረኦ ፀወታ ሓደ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት እንትዛዘም፥ ጋንታ ጅማ ኣባ ጅፋር ኣብ መወዳኣታ ደረጃ ንዝነበረትን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ዝቖፀረትን ጋንታ ወላይታ ድቻ ኣተኣናጊዳ 2 ን 1 ተሳዒራ።

ሃዋሳ ከተማን ወልቂጤ ከተማን ኣብ ዝገበረኦ ግጥም ሃዋሳ ከተማ 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት እንትትዕወት፥ ናብ ድሬዳዋ ተጓዒዛ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ዝገጠመት ኣዳማ ከተማ ድማ 2 ን 1 ተሳዒራ ተመሊሳ።

ትማሊ ንፋሲል ከነማ ዘተኣናገደት ጋንታ ስሑል ሽረ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ደረጃኣ ከምዘመሓየሸት ይፍለጥ።

ንፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ብ19 ነጥቢ ቀዳመይቲ ኮይና እንትትመርሖ፥ ፋሲል ከነማን ስሑል ሽረን ብማዕረ 15 ነጥቢ ብጎል ተበላሊፀን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ተሰሪዐን ይርከባ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.