Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቴክሳስ ልዕሊ 14 ሚልየን ሰባት ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣጋጢምዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብታ ብሓያል ኣስሓይታ ትጥቃዕ ዘላ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ልዕሊ 14 ሚልየን ሰባት ፅሩይ ማይ ተሓሪምዎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ፕሬዚደንት ጆ ባይደን ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ከቢድ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ብምጥቃስ፥ ናብታ ክፍለ ግዝኣት እኹል ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ንምግባር ይዳሎዉ ከምዘሎዉ ገሊፆም።

ብሰንኪ እቲ ዘሎ ብርቱዕ ዛሕልን ኣስሓይታን ተቋሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ኤልክትሪካ’ኳ ዳግማይ እንተተዓረየ፥ ኣብቲ ናይታ ክፍለ ግዝኣት ማይ ዝጻረየሉ ቦታ ኤሌትሪክ ስለዘይተዓረየ ግን ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ንሕጽረት ማይ ከምዝተቃልዑ ተገሊጹ።

ፕሬዚደንት ጆ ባይደን ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ናብታ ክፍለ ግዝኣት ምብጻሕ ከምዘካይዱ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ነተን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ ዝርከባ ክፍለ ግዝኣታት ዘናወፀ ዛሕሊ፥ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝቐተለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብጀካ ኣብ ቴክሳስ፣ ኦክሎሃማን ሉዚያናን’ውን ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኣዊጆም ኣሎዉ።

ብመሰረት ዋይት ሃውስ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ፕሬዚደንት ጆ ባይደን ነተን በዚ ብርቱዕ ቁርን ወርጭን ተሃስየን ዘለዋ ክፍለ ግዝኣታት ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ንኽውሃብን ባጀት ኣጽዲቑለን ኣሎ።

ፍልፍል፥ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.