Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ረኺባ።

ኣኮሎምቢያ ካሊ እየተኻየደ ዝርክብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ክትረክብ ክኢላ።

ኣብ ውድድር ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣዲሱ ይሁኔ ብ14 ደቂቕ 3 ሰከንድን 5 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ንሃገሩ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኡ።

ኣብ ፍፃመ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ፅዮን ኣበበ ብ9 ደቂቕ 3 ሰከንድን 85 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ካልአይቲ ብምውፃእ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኣ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣትሌት ገበየሁ በላ ብደቂ ተባዕትዮ፣ ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ብርቱካነ ወልዴ ራብዓይ ደረጃ ብመሓዝ ዲፕሎማ ምርካቦም ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.