Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትካላት እምነት፣ ዕዳጋን ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሜላታት ምክልኻል  ኮቪድ-19 ብኣግባቡ ተግባራዊ ንክግበር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ትካላት እምነት፣ ዕዳጋን ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሜላታት ምክልኻል  ኮቪድ-19 ብኣግባቡ ተግባራዊ ንክግበር ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እተን ሚኒስትር፥ እዚ እዋን በቢመዓልቱ ምርመራ ካብ ዝግበረሎም እቶም ልዕሊ 1 ሺሕ ብኮቪድ 19 ዝልከፍሉ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ እቲ ፀገም ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ቅልውላው የስዕብ ኣሎ ኢለን።

ስለዝኾ ኩሉ ሰብ እቶም መከላኽልቲ ሜላታት ተግባራዊ ንክገብር ኣተሓሳሲበን።

ብፍላይ ኣብ ትካላት እምነት፣ ዕዳጋን ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሜላታት ምክልኻል  ኮቪድ-19 ብኣግባቡ ተግባራዊ ንክግበር ፃውዒት ምቕራበን ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.