Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ልምዑነት ሓመድ ብ53 ሚኢታዊ ወሲኹ-መፅናዕቲ ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ንዓመታት ዝዘለቐ ዝተዋደደ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብምስርሑ ልምዑነት ሓመድ እቲ ክልል ብ53 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ምሁራን ዩንቨርስቲ መቐለ ኣፍሊጦም።

እቶም ምሁራን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝተሰርሐ ዕቀባ ሓመድን ማይን ውፅኢቱን ብዝምልከት ሓሙሽተ ዓመታት ዝወሰደ መፅናዕቲ ኣካይዶም ኢዮም።

ካብ መንጎ እቶም ኣባላት ጉጅለ መፅናዕቲ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ሓደ እንትኾኑ፥ እቶም ምሁር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቅድሚ 140 ዓመት ዝነበረ ሽፋን ደኒ፣ ኣጠቓቕማ መሬትን ዋሕዚ ሩባታተን ነቲ መፅናዕቲ ከም መበገሲ ከምዝተጠቐሙሉ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ካብ 1868 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ኲናት ዓድዋ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተስኣሉ ፎቶታትን ምስሊታት ሳተላይትን ካብ ሃገረ እንግሊዝን ጣሊያንን ብምምፃእ እታዎታት እቲ መፅናዕቲ ንክኾኑ ከምዝተገበረ ፕሮፌሰር ምትኩ ተዛሪቦም።

እቲ ክልል ንዘበናት ዝኣክል ቀጠና ጦርነት ኮይኑ ብምፅንሑ ንምምንማን ሃፍቲ ደኒ ዝነበሮ ተራን እቲ ዝነበረ ድሑር ባህሊ ኣተሓራርሳ መሬት ሓመድ ንክሽርሸር ዝነበሮ ዕድልን ብዝምልከት እውን ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዝተዳህሰሰ ኣብሪሆም።

ብድምር ቅድሚ 20 ዓመታት ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ዘይተሰርሐሎም መፋስሳት ኣብ እዋን ክራማት ካብ ሄክታር 420 ኩንታል ሓመድ ብውሑጅ ይውሰድ ከምዝነበረ እቲ መፅናዕቲ ኣርእዩ ኣሎ።

ስለዝኾነ ኣብዝሓለፉ ዓማውቲ መፋስስ ማእኸል ዝገበረ ዕቀባ ሓመድን ማይን እናተሰርሐ ብምምፅኡ ርኡይ ለውጢ ከምዝተመዝገበ እቶም ምሁር ሓቢሮም።

ዕቀባ ሓመድን ማይን ካብ ዝተሰርሐሎም ከባቢታት ብውሑጅ ዝውሰድ ሓመድ ብማእኸላይ ናብ 170 ኩንታል ሓመድ ከምዝወረደ ድማ እቲ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።

ቅድመ ሐዚ ማይ ከርሰ ምድሪ ንምርካብ ብማእኸላይ ክሳብ 10 ሜትሮ ጉድጓድ ይኳዓት ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ብሳላ እቲ ዝተዋደደ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመደን ማይን ምስርሑ ግን ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ 1 ክሳብ 3 ሜትሮ ብምኹዓት ማይ ከርሰ ምድሪ ይርከብ ከምዘሎ እቲ መፅናዕቲ ኣርእዩ ኣሎ።

እቲ ስራሕቲ ብዝተዋደደ መገዲ ኣብ ዝተሰርሓሎም ከባቢታት ክልል ትግራይ፥ ሽፋን ደኒ እቲ ከባቢ ምውሳኹ፣ ብውሑጅ ዝውሰድ ዝነበረ ሓመድ ምቕናሱን ዝበስበሱ ሳዕሪታትን እፅዋትን ኣብ መሬት ንክቐርዩ ብምምኽኣሎምን ልምዑነት ሓመድ እዚ ክልል 53 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ተገሊፁ።

እቲ ዝተዋደደ ስራሕቲ ኣብ እዋን ክራማት ዝዘንብ ዝናብ ኣብ ተሓራሲ መሬትን ጎቦታትን ንክተርፍ ወይ ክህርስ ብምኽኣሉ ልምዑነት ሓመድ ንክውስኽ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ እውን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ማይ ከርሰ ምድሪ ንክውስኽ ዘኽኣለ ብምዃኑ፥ ዓመት ሙሉእ ዝፈሱ ወሓዝቲ ሩባታት ንክፍጠሩን ልምዓት መስኖ ንክሰፍሕን ከምዘኽኣለ እቲ ዝተገበረ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.