Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ሓንቲ ውልቀ ሰብ ልዕሊ ብር 12 ሚሊየን ወፃኢ ብምግባር ዘህነፀኦ ጣቢያ ጥዕና ንሕብረተሰብ ኣረኪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ሓንቲ ገባሪት ሰናይ ውልቀ ሰብ ብር 12 ነጥቢ 6 ሚሊየን ወፃኢ ብምግባር ዘህነፀኦ ጣቢያ ጥዕና ሎሚ መዓልቲ ንሕብረተሰብ ኣረኪበን።

ነባርነተን ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝኾና ወይዘሮ ሄለን ወረደ ዝተብሃላ ገባሪት ሰናይ ዝተሃነፀ እቲ ጣቢያ ጥዕና፥ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተመሪቑ።

ዶክተር ሓጎስ ነቲ ጣቢያ ጥዕና ኣብ ዝመረቑሉ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ተበፃሕነት ግልጋሎት ጣቢያ ጥዕና እቲ ክልል ንምርግጋፅ መንግስቲ ዝገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ገበርቲ ሰናይ ኣካላት ዝገብሩዎ ሓገዝ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሎሚ ዕለት ዝተመረቐ ጣቢያ ጥዕና፥ ኣብ ምጥንኻር ተበፃሕነት ግልጋሎት ጥዕና ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቲ ጣቢያ ጥዕና፥ ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ሽረ እንዳስላሰን ከባቢኣን ብቐሊሉ ዝግልገሉሉ ምዃኑ ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ዝናቡ ደስታ ገሊፆም።

እቲ ደረጅኡ ሓሊዩ ዝተሃነፀ ጣቢያ ጥዕና ሰሪሐን ንነበርቲ እቲ ከባቢ ዘረከባ ገባሪት ሰናይ ወይዘሮ ሄለን ወረደ ብግደአን፥ ኣብ ቀፃሊ እዋን ነቲ ጣቢያ ጥዕና ናብ ሆስፒታል ንምዕባይ ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን።

እቲ ጣቢያ ጥዕና ንልዕሊ 25 ሺሕ ህዝቢ ግልጋሎት ጥዕና ናይ ምሃብ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.