Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር መንግስቲ ብትኹረት ይሰርሕ ኣሎ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር መንግስቲ ብትኹረት ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ምስ ግዝያዊ ሓላፊ ሚኒስዮን ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ፊሊፕ ቦቨርዲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ኢዩ።

ኣይተ ደመቀ ዓለም ለኸ ትካል ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ሰብ ስራሕ ጎንፂታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ንዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ንኢዶም።

ፊሊፕ ቦቨርዲ ብግደኦም፥ ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ወሰኽ በጀት ንምግባር ትልሚ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ኣብ ዘለዉ እሱራትን ተመዛበልቲን ዑደት ከምዝገበሩ እውን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ካብ ትግራይ፣ ቤኒሻንጉል ጉምዝን ኣምሓራን ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ደገፍ ይግበር ከምዘሎ ምዝራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.