Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ምስ መንግስቲ ብምዃን ንሰርሕ ኣለና-ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2013 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ምስ መንግስቲ ብምዃን ንሰርሕ ኣለና ኣብ ትሕቲ ዋና ፀሓፊ  ውድብ ሕቡራት መንግስታት/ውሕመ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሃንደበታዊ ሓገዝን ማርቲን ግሪፊት ገሊፆም።

እቶም መተሓባበሪ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝገበርዎ ዑደት ብዝምልከት ሎሚ መግለፂ ሂቦም።

መንግስቲ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥  ኣብ ቀረባ እዋን እኽሊ ዝፀዓና 120  ተሽከርከርቲ ክዝኣትዋ ከም ኣብነት ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ቅልጡፍ ኣወሃህባ ደገፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ውሕመ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ  ሓቢሮም።

ኣብ ፃንሒቶም ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አህመድ ሓዊሱ እቲ ጉዳይ ምስዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝተዛተዩ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.