Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንክጅመር ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብያተ ዕዮ ትምህርቲ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ዘኽእሎም ብሙሉእነት ባይታ ከምዘይተመቻቸወሎም ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ገሊፆም።

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ዘጋጥሙ ፀገማት ንምቕራፍ ክሰርሕ እየ ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮናን ዘጋጠመ ኲናትን ስዒቡ ዝተቛረፀ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንኽጅመር ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ምንቅስቓሳት እናተገበረ ምምፅኡ ተገሊፁ።

ንተፈፃምነቱ እውን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ዓውዲ ትኹረት ብምሃብ ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ብርክት ዝበሉ መድረኻት ከካይድ ምፅናሑ ተሓቢሩ።

ናይዚ መቐፀልታ ድማ ኣብ ምጅማር ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን ምድላው ፈተና 8ይን 12 ክፍልን ዝምልከት ዘተ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዞባታት ኣብያተ ዕዮ ትምህርቲ ትግራይ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ዘተ ካብ ዞባታት ትግራይ ዝተውፃፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብያተ ዕዮ ትምህርቲ ትግራይ ዝተረኸቡ እንትኾን፥ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ዕንቅፋት ዝኾንዎም ጉዳያት ፀጥታ፣ ዕንወት ናዊቲ ትምህርቲ፣ በጀት፣ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝን ካልኦትን ከምዘለዉ ገሊፆም።

ነቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርህን ዝሃባ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኢንጅነር ኣስቴር ይትባረክ እቲ ቢሮ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ይሰርሕ ከምዝሎ ብምሕባር እተን ዞባታት ሓገዝቲ ክኾና ፀዊዐን።

ኣብ ጉዳይ ፀጥታ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ድማ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ክልል ትግራይ ኮሚሽነር የማነ ገሰሰ ምላሽን መብርህን ሂቦምሉ እዮም ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.