Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብሕማም ቫይረስ ኮረና ተጠርጢሮም ናሙና ካብ ዝተወሰደሎም 55 ሰባት ናይቶም 40 ሰባት ውፅኢት ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ብሕማም ቫይረስ ኮረና ተጠርጢሮም ናሙና ካብ ዝተወሰደሎም 55 ሰባት ናይቶም 40 ሰባት ውፅኢት ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ተረጋጊፁ።

ናይቶም ዝተረፉ 15 ሰባት ድማ ኣብ ከይዲ ምርመራ ከም ዝርከብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ከም ዝገለፅዎ፥ እቲ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ተግባራዊ ንምግባር ብብርኪ ክልል ይስራሕ ብምህላዉ ሕማም ቫይረስ ኮረና ካብ ዝተረኣየለን ሃገራት ናብ ትግራይ ክልል ዝመፁ ሰባት ከይዲ ምፍላይ ምልክት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኩለን ጥዕና ትካላት ትግራይ ይሳለጥ ኣሎ።

ናብ ጣብያታት ጥዕና፣ መባእታዊ ሆስፒታላት፣ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር፣ ዩኒቨርሲታት መቐለ፣ ኣክሱም፣ ዓዲግራትን ራያን፥ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ከይዲ ምፅራይ ቫይረስ ኮረና ዝጥቀሙሉ ናውቲ ክባፃሕ ከም ዝተገበረ እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.