Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብቫይረስኮሮና ዝተጠርጠሩ 16 ሰባት ብምርመራ ነፃ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ብቫይረስኮሮና ዝተጠርጠሩ 16 ሰባት ብምርመራ ላቦራቶሪ ነፃ ከምዝኾኑ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ፥ እቶም ተጠርጠርቲ ናፃ ከምዝኾኑ ኣብ ትዊተር ገፅ ሓቢሮም።

ካብ መንጎ 16 ተጠርጠርቲ፥ እቶም ሓሙሽተ ትማሊ ንምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝተልኣኹ እዮም ኢሎም።

ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስኮሮና ኣብ ትግራይ ንምጅማር ምድላዋት ተወጊኖም ከምዘለዉ ድማ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም።

ኣብ ተግራይ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝዓለመ ብብርኪ ክልል ኮሚቴ ተጣይሹ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ይዝከር።

ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ቫይረስኮሮና ብዝምልከት ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዘኽእል 6244 ነፃ መስመር ስልኪ ዕላዊ ከምዝኾነ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ ኢዩ።

ብቫይረስኮሮና ዝተጠርጠሩ 16 ሰባት ብምርመራ ነፃ ከምዝኾኑ ድማ እቲ ቢሮ ሎሚ መዓልቲ ኣፍሊጡ።

ፍልፍል፦Tigrai Mass Media Agency

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.