Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ 1 ሽሕን 601 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኡስ ግብረ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ 1 ሽሕን 601 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቅሬታ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ክፍትሑ ወሲኑ።

ኣተሓባባሪ እቲ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ ከምዝበልዎ ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስኮሮና ዘውፀኦም መምርሒታት ዘየተግበሩ ኣካላት ውን ተቐፂዖም እዩም።

1 ሽሕን 16ን መዝገብ ኽሲ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ 2 ሽሕን 140 ውልቀ ሰባት ንክቕፅዑ እቲ ግብረሓይሊ ከምዝተወሰነ እቶም ኣተሓባባሪ ተዛሪቦም።

ካብቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሒሳብ መዝገብ 675 መዝገብ ውሳነ ዝረኸበ እንትኾን፥ 1 ሽሕን 460 ውልቀ ሰባት ውን ውሳነ ፍርዲ ረኺቦም እዩም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ብመሰረት ዘመሓላለፎ ውሳነ ድማ ካብ 1 ሽሕን 735 ናብ ምፅራይ ዝቐረቡ ተሃነፅቲ ሕጊ፥ 53 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1 ሽሕን 601 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ተወሲኑ ኢሎም ኣይተ ተኪኡ።

እቶም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ይቕሬታ ዝተገበረሎም ወገናት፥ ናብ ሕብረተሰብ ምስተሓወሱ ምስ ሕብረተሰብ ኮይኖም ቫይረስኮሮና ክከላኸሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብዮናታን ግዛቸው
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.