Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ትማሊ ን987 ሰባት ብዝተገበረ ላብራቶሪ  131 ወገናት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ትማሊ ን987 ሰባት ብዝተገበረ ላብራቶሪ  131 ወገናት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ሓደ ኣብ ማእኸል መሐከሚ መቐለ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ዝነበሩ ወዲ 70 ዓመት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ተገሊፁ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ብዘጋጠመ ሞት ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ ንስድራን ፈተውትን ፅንዓት ተመኒዩ።
ብኻሊ መዳይ 17 ሰባት ካብ መቐለ፣ 8 ካብ ሑመራ፣ 6 ካብ ሽረ፣ 4 ካብ ኣክሱም፣ 1 ካብ ማይጨው ብድምር 36 ወገናት ካብ ማእኸል መሐከሚ ቫይረስ ኮሮና ትማሊ ድሒኖም ናብ ገዝኦም ተፋኒዮም እዮም።

ብድምር ክሳብ ትማሊ ኣብ ትግራይ 29 ሺሕን 626 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት 1 ሺሕን 492 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም።

ካብዚኦም 735 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብዘለው እቶም 35 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 11 ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና 1 ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ።

ብሓፈሻ ክሳብ ሕዚ 746 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ዝተፋነው እንትኾኑ፥ ዛጊድ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ 11 ወገናት ሞት ኣጋጢሙ እዩ ከብሉ ሓላፊ ቢሩ ጥዕና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.