Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዓመተ 2012 ልዕሊ 200 ደቂ ኣንስትዬ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝበፀሐን ተገሊፁ

መቐለ: 21 ጥሪ 2012 ዓም (መቐለ ፋና)ኣብ ትግራይ ኣብ 2012 ዓም ልዕሊ 200 ደቂ ኣንስትዬ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝበፀሐን ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዞባ ሰሜን ምዕራብን ዞባ ምብራቅ ትግራይን ድማ ብጥቅዓት ደቂ ኣነስትዮ ዝፅርሓ ከባብታት ምዃነን ተገሊፁ።

ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ዶክተር የትምወርቅ ገብረመስቀል፥ ኣብ ምክልኻል ጥቅዓት ደቂ ኣነስትዮ ዋላ እኳ እንተተሰርሐ ዛጊድ ዝመፀ ለዉጢ የለን ኢለን።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ዝበፅሕ ፆታዊ መጥቃዕቲ ምስ ኣካላት ፍትሒ ብምትሕብባር እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ኣብሪሀን።

ጥርዓን ኣቅሪበን ተመጣጣኒ ፍርዲ ዘይረከባ ደቂ ኣነስትዮ መስርሕ ተሓታትነት ከምዝተሰናደኣ ተገሊፁ።

ኣባላት ቤት ምክሪ ፎረም ደቂ ትግራይ ብግደአን ንፆታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣነስትዮ ከምዝኩንና ሓቢረን።

ብሳራ ኣብረሃለይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.