Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 19 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 367 ሰባት ብዘተገበረ ምርመራ ላባራቶሪ 19 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ወገናት ምስ ዝተፈለጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዘይነበሮም፣ ኣርባዕተ ሰብ ሞያታት ጥዕና፣ ሰለስተ ንግልጋሎት ናብ ትካላት ጥዕና ከይዶም ዝተረኸቦም፣ ሓደ ሰብ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮ እንትኾን፥ ሸውዓተ ወገናት ድማ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን እዮም ተባሂሉ።

ፍልፍል ተቓላዓይነትን ዝተረኸብሉ ቦታን

• ኣርባዕተ ወገናት ኣብ መቐለ ካብ ማሕበረሰብ ባዕሎም ምልክት ኣለኒ ኢሎም ካብ ዝጠቆሙ ናሙና ተወሲዱ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም፤

• ሰለስተ ኣብ ኣላማጣ፣ ሓደ ኣብ መኾኒ ብድምር ኣርባዕተ ሰብ ሞያታት ጥዕና፤

• ሰለስተ ወገናት ኣብ መቐለ ንግልጋሎት ናብ ትካል ጥዕና ካብ ዝመፁ ብዝተገበረ ምርመራ ዝተረኸቡ፤

• ሓደ ወገን ኣብ መቐለ ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ኮይኑ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበረ

• ሓሙሽተ ወገናት ኣብ መቐለ፣ ክልተ ወገናት ኣብ መኾኒ ብድምር ሸውዓተ ኣብ ማእኸል መወሸቢ ዝነበሩን ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን እዮም።

ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 26,211 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት 1,086 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም።

478 ወገናት ኣብ ማእኸል መሐከሚ እንትርከቡ፥ እቶም 25 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 4 ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና 3 ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ።

እዙይ ከምዙይ ኢሉ እናሃለወ 9 ሰባት ካብ መቐለ፣ ሰለስተ ሰባት ካብ ኣኽሱም፣ ሰለስተ ሰባት ካብ ሽረ፣ ብድምር 15 ወገናት ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ 603 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ኢዮም።

ክሳብ ሕዚ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ 5 ወገናት ሞት ኣጋጢሙ እዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.