Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 246 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ተገይሩ 21 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 246 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ተገይሩ 21 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቶም ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ሰባት ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ፥ ካብ 20 ክሳብ 72 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ እዮም።

እቶም ምርመራ ተገይሩሎም ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ወገናት፥ ዓሰርተ ሸውዓተ ኣብ ማይ ካድራ ኮይኖም ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን እዮም።
ሓደ ኣብ ሰቲት ሑመራ ኮይኑ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝነበሮ ርክብ ይኹን ጉዕዞ ታሪኽ ዘይነበሮ እዩ።

ሰለስተ ድማ ኣብ መቐለ ኣብ መእተዊ በሪ ዓራፋት ምርመራ ዝገበሩ ኮይኖም ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን ከምዝኾኑ እቲ ቢሮ ገሊፁ።

ኣብ ማይ ካድራ ካብ ዝተረኸቡ ሰባት እቶም 15 ካብ ዝምርመሩ 48 ሰዓታት ከምዝኾኖም ዝገለፀ እቲ ቢሮ፥ ሓዱሽ ዝተጀመረ ምርመራ ብሙሉእነት ፀብፃብ ኣብ ምላእኽ ብዝነበረ ፀገም ምዝንግዑ ኣፍሊጡ።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ 8 ሺሕን 396 ሰባት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት 204 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ።

ካብዚኦም 162 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ ኣብ ውሽጢ ሕክምና ካብ ዝርከቡ ሓደ ኣብ ክትትል ፅኑዕ ሕክምና ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ 42 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ዝወፁ ኮይኖም ሞት ሓንቲ ንእስቲ ድማ ኣጋጢሙ እዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.