Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 52 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ከተማ መቐለ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተገበረሎም 175 ሰባት እቶም 52 ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረከቦም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ካብ 23 መጋቢት 2013 ዓ/ም ክሳብ 8 ሰነ 2013 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተገበረሎም 4 ሺሕን 41 ሰባት እቶም 1 ሺሕን 331 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረከበሎምን እቶም 41 ወገናት ካብ ማእኸላት መዕቆቢ ተመዛበልቲ ከም ዝኮኑ ቢሮሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ሓቢሩ።

እቶም 41 ወገናት ኣብ ማእኸላት መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝተረከቡ እንትኮኑ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተረከቦም እዮም።

ክሳብ ሐዚ ን1 ሺሕን 123 ወገናት ኣገልግሎት ክትትል ሕክምና ገዛ ንገዛ ዝተገበረሎም እንትኮኑ እቶም 9 ሚኢትን 65 ወገናት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኪቦም ዝደሓኑ እዮም።

ክሳብ ሐዚ 23 ወገናት በቲ ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ፀብፃብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና የመላክት ክብል ኤም ሓት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.