Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ስዓታት ብዝተኻየደ ምርመራ 40 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ን117 ወገናት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኸውን ካብዝኦም እቶም 40 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ገዛ ንገዛ ሕክምና ኣገልግሎት ዝተገበረሎም 1 ሽሕን 113 እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም 905 ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺቦም ዝደሓኑ ኢዮም።

ዝተረፉ 208 ድማ ኣብ ክትትል ይርከቡ።

ኣብ ማእኸል መሐከሚ ቫይረስ ኮሮና ደቂሶም ኣብ ሕክምና ግልግሎት ዝርከቡ 152 እቶም 106 ወገናት ሐሺዎም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ተገሊፁ።

እቶም 25 ወገናት ድማ ክሳብ ሐዚ ኣብ መሐከሚ ማእኸል ከምዘለዉ መረእታ እቲ ቢሮ የመላኽት።

ክሳብ ሐዚ ናብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ኣትዮም ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ወገናት 22 በፂሑ ኣሎ ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.