Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ባንኪታት ደም ዳግም ስራሕ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ባንኪ ደመን ቲሹን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ባንኪታት ደም ዳግም ስራሕ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሃብታሙ ታዬ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ እቶም ኣገለግሎታት ናብ ስራሕ ንምእታው ጉጅለ ሰብ ሞያ ብምልኣኽ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ተሰሪሑ።

ብመሰረት እዚ ናብ ባንኪ ደም ኣኽሱም ብክልተ ዙር 400 ዩኒት ደም ከምዝተልኣኸ ተዛሪቦም።

ናብ ባንኪ ደም መቐለ ድማ 200 ዩኒት ደም ተላኢኹ ኢሎም።

ብተወሳኺ ናይ ደም መቕድሒ ከረጢት፣ መመርመሪ ደም ሪኤጀንትታትን ወዘተ ደገፍ ሎጂስቲክስ ከመዝተገበረ ሓቢሮም።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ድልየት ደም ንምምላእ ደም ለገስቲ ደም ብምሃብ ህይወት ካልኦት ንምድሓን ክኽእሉ ፃውዒት ቀሪቡ።

ብዮሐንስ ደርበው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.