Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 150 ዜጋታት ብጥምየት ሞይቶም ብዝብል ዝውዛዕ ዘሎ ወ ሓሶት ኢዩ ክብል ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋን ድልውነትን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ 150 ዜጋታት ብጥምየት ሞይቶም ብዝብል ዝውዛዕ ዘሎ ወረ ሓሶት ኢዩ ክብል ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋን ድልውነትን ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ መትኩ ካሳ ኣብ ትግራይ ዝቐርብ ዘሎ ሰብኣዊ ደገፍ ብዝተጠናኸረ መገዲ ይሳለጥ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር እወንታዊ ገፅታ እዛ ሃገር ዘይደልዩ ኣካላት በዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምጥቃም “ኣብ ትግራይ 150 ዜጋታት ብጥምየት ሞይቶም ብዝብል ዝውዛዕዎ ዘሎዉ ወረ ሓሶት ኢዩ” ኢሎም።

ሞት ኣጋጢሙ ኣብ ዝተብሃለሉ ከባቢ ኮረም ወረዳ ኦፍላ ቅድም ክብል ፀገም ፀፅታ ኣለዎም ተባሂሎም ካብ ዝተረቑሑ ሸውዓተ ከባቢታት ዘየለን ካብ መፈለምትኡ ኣብቲ ከባቢ ዝተገብረ ምክፍፋል ሓገዝ ብዕዉት ኩነታት ዝተኻየደሉ ከምዝኾነ ከመዝተፃረየ እውን ሓቢሮም።

ብዝተገበረ ምፅራይ ኣብ ወረዳ ኦፍላ ሓንቲ ኣዶ ብምኽኒያት ሕማም ከምዝሞታ ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለን ካብዚ ወፃእ ብፀገም ኣቕርቦት ምግቢ ግን ዝሞተ ሰብ ከምዘየለን ተዛሪቦም።

ስለዚ ዕላማ እቲ ናይ ሓሶት ዜና “እወንታዊ ገፅታ እዛ ሃገር ንምፅላም ዝዓለመን ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘየገናዘበን ናይ ባዕሉ ሕቡእ መልእኽቲ ዘለዎም ኢዩ” ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.