Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 25 መፅናዕትታትን ምርምራትን ፖሊሲ ክሳለጡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ኣብ ዘፈራት ቴክኖሎጂ፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ዲሞክራሲ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ትኹረት ዝገበሩ 25 መፅናዕትታትን ምርምራትን ፖሊሲ ንምክያድ ተሊሙ ተግባራዊ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር መፅናዕትን ምርምርን ኢንስቲትዩት ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃ ኪሮስ ከምዝገለፅዎ፥ እቶም መፅናዕትታትን ምርምራትን ፖሊሲ ብምትሕብባርን ተመራመርቲ ውሽጥን ወለንታውያን ሙሁራት ተጋሩን ዝሳለጡ ኢዮም።

ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ተዛዚሞም ኩሎም መድረግቲ ኣካላትን ዝምልከቶም ምሁራትን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ከም ዝቐርቡ ሓቢሮም።

ከም መብርሂ ዶ/ር ኣብርሃ፥ እቶም ዝሳለጡ መፅናዕትታትን ምርምራትን ፖሊሲ ተዛዚሞም ናብ ቀረፃ ፖሊስን ስትራቴጅን እንትኣትዉ ኣብ ትግራይ ቅልጡፍ ልምዓት ኣብ ምምፃእን ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ግደ ኣለዎም።

ኣካል እቲ ስራሕ ዝኾነ ምድላው ትልሚ ነዊሕ እዋን ትግራይ ድማ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ ኣረዲኦም፡፡

እቲ ኢንስቲትዩት “ሓሳባት፣ ፖሊስታትን ኣንፈታትን ብምፍልፋል ኣብ 2017 ዓ.ም ብብርኪ ኣፍሪካ ዘተኣማምንን ተወዳዳራይን ትካል ምርምር ኮይኑ ምርኣይ” ዝብል ራእይ ተሓንጊጡ ኩለ መዳይ ምዕባለ ትግራይን ከባቢኣን ንምርግጋፅ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ዕሸል ማእኸል መፅናዕቲ፣ ምርምርን ፖሊሲን ከምዝኾነ ድማ እቶም ምኽትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.