Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 49 ወገናት ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 398 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 49 ወገናት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ኣቶም 15 ወገናት ካብ ማሕበረሰብ፣ 25 ድማ ምስ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም እንትኾኑ፥ 9 ሰባት ድማ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ ከምዝኾኑ እቲ ቢሮ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የመላኽት።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ 63,249 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብቶም ዝተመርመሩ 5 ሺሕን 316 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም።

ካብ ሞንጎ እዚኦም 1 ሺሕን 127ን ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብዘለው ሰባት 15 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 4 ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና፣ 11 ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ።

ክሳብ ሕዚ 4 ሺሕን 162 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ዝተፋነውን 27 ወገናት ድማ ብምኽንያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑን እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.