Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቸክ ሪፐብሊክ ዝተኻየደ ውድድር ቱር ኮንቲኔንታል ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ምሽት ኣብ ቸክ ሪፐብሊክ ዝተኻየደ ውድድር ቱር ኮንቲኔንታል ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም።

ኣብቲ ውድድር ብ3 ሺሕ መሰናኽል ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጌትነት ዋለ ብ8 ደቒቕ 9 ሰከንድ 47 ማይክሮ ሰከንድ ብምእታው ተዓዊታ፡፡

ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ሳሙኤል ኣባተ ሳልሳይ ኮይኑ ዛዚሙ፡፡

ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣንስቲዮ ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ቀዳመይቲ እንትትወፅእ፥ ኣትሌት ሂሩት መሸሻ ሳልሰይቲ ኮይና ዛዚማ፡፡

ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ እቲ ውድድር እንተይዛዘመት ኣቋፃቶ፡፡

ኣትሌት ደርቤ ወልተጂ ብ800 ሜትሮ ውድድር ካልአይቲ ከምዝወፅአት ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.